ዳዊት 119 | ትመ15 Bible | YouVersion (2024)

119

ሕጊ እግዚኣብሄር

ኣሌፍ

1ብመንገዶም ንፁሃን ዝኾኑ፥

ብሕጊ እግዚኣብሄር ዝኸዱ ቡሩኻት እዮም።

2ምስክርነቱ ዝሕልዉ፥

ብምሉእ ልቦምውን ዝደልይዎ ዝተባረኹ እዮም።

3ንሳቶም ዓመፅ ኣይገብሩን፤

ብመንገድታቱ ኸዓ ይኸዱ።

4ንትእዛዛትካ ተጠንቂቕና ምእንቲ ኽንሕልዎ፥

ንስኻ ኣዘዝካና።

5ስርዓታትካ ንኽሕሉ፥ መንገድታተይ ክቐንዐለይ ምፈተኹ ነይረ።

6ኵሉ ትእዛዛትካ እንትምልከት፥

ሽዑ ኣይሓፍርን እየ።

7ኦ ጐይታ ነቲ ቕኑዕ ፍርድኻ ምስ ተምሃርኩ፥

ብቕኑዕ ልቢ ኸመስግነካ እየ።

8ስርዓታትካ ኽሕሉ እየ፤

ፈፂምካ ኣይትደርብየኒ።

ንሕጊ እግዚኣብሄር ምእዛዝ

ቤት

9መንእሰይ መንገዱ ብምንታይ የንፅህ?

ቃልካ ብምሕላው እዩ።

10ብምሉእ ልበይ ደለኹኻ፤

ካብ ትእዛዝካ ኣይተርሕቐኒ።

11ንኣኻ ምእንቲ ኸይብድል፥

ንቓልካ ኣብ ልበይ ዓቘርክዎ።

12ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ቡሩኽ ኢኻ፤

ስርዓታትካ መሃረኒ።

13ኵሉ ፍርዲ ኣንደበትካ፥ ብኸንፈረይ ነገርኩ።

14ከም ኵሉ ሃብቲ፥

ብመንገዲ ምስክርነትካ ደስ በለኒ።

15ንትእዛዛትካ አስተንትኖ ኣለኹ፤

ንመንገድኻውን እደልዮ ኣለኹ።

16ብትእዛዛትካ እሕጐስ፤

ንቓልካውን ኣይርስዖን እየ።

ሕጊ እግዚኣብሄር ኣብ ምፍፃም ዘሎ ሓጐስ

ጋሜል

17ብህይወት ክነብር፥ ቃልካውን ክሕሉስ፥

ንኣገልጋሊኻ ሰናይ ግበረለይ።

18ኣዒንተይ ክፈተለይ፤

ካብ ሕግኻውን ተኣምራትካ ኽርኢ እየ።

19ኣነ ኣብዛ ምድሪ ጋሻ እየ፤

ትእዛዛትካ ኻባይ ኣይትሰውር።

20ነፍሰይ ኵልሻዕ ንፍርድኻ የመና ናፈቐት።

21ነቶም ካብ ትእዛዛትካ ዝሰሓቱ ትዕቢተኛታትን ርጉማትን ገሰፅካዮም።

22ምስክርነትካ ደልየ እየ እሞ፥

ፀርፍን ንዕቐትን ካባይ ኣርሕቕ።

23መሳፍንቲ ድማ ተቐሚጦም ነኣይ ሓመዩኒ፤

ኣገልጋሊኻ ግና ሕግታትካ የስተንትን ነበረ።

24ምስክርነትካ ነኣይ ሓጐሰይ እዩ፤

ስርዓትካውን መኻርየይ እዩ።

ሕጊ እግዚኣብሄር ንምፍፃም ምምዳብ

ዳሌጥ

25ነፍሰይ ናብ ምድሪ ተፀግዐት፤

ከም ቃልካ ህያው ግበረኒ።

26መንገድኻ ነገርኩ፤ ንስኻውን ሰማዕኻኒ፤

ስርዓታትካ መሃረኒ።

27መንገዲ ስርዓትካ ኸስተውዕል ግበረኒ፤

ንተኣምራትካውን ከስተንትኖ እየ።

28ካብ ሓዘን ዝተልዓለ ነፍሰይ ተታኸሰት፤

ብቓልካ ኣፅንዐኒ።

29መንገዲ ዓመፅ ካባይ ኣርሕቕ፤

ሕግኻውን መሃረኒ።

30መንገዲ ሓቂ መረፅኩ፤

ፍርድኻውን ኣይረሳዕኹን።

31ኦ ጐይታ፥ ናብ ምስክርነትካ ተፀጊዐ እየሞ ኣይተሕፍረኒ።

32ንልበይ ምስ ኣስፋሕኻዮ፥

ብመንገዲ ትእዛዛትካ ጐየኹ።

ምስትውዓል ክትረክብ ዝግበር ፀሎት

33ኦ ጐይታ፥ መንገዲ ስርዓታትካ መሃረኒ፤

ኣነ ኸዓ ኽሳዕ መወዳእታ ኽሕልዎ እየ።

34ምስትውዓል ሃበኒ፤ ኣነ ኸዓ ንሕግኻ ኽደልዮ፥

ብምሉእ ልበይውን ክሕልዎ እየ።

35ንኣኣ ፈትየ እየ እሞ፥

ብመንገዲ ትእዛዝካ ምርሐኒ።

36ልበይ ናብ ስስዐ ዘይኮነስ፥

ናብ ምስክርነትካ ኣዘምብሎ።

37ነዒንተይ ከንቱ ነገር ካብ ምጥማት ምለሰን፤

ብመንገድኻውን ህያው ግበረኒ።

38ምእንቲ ክፈርሐካ፥

ንባርያኻ ብቓልካ ኣፅንዓዮ።

39ፍርድኻ ሰናይ እዩሞ፥

ንዝፈርሖ ፀርፊ ኻባይ ኣርሕቕ።

40እንሆ ትእዛዛትካ ናፈቕኩ፤

ብፅድቅኻ ህያው ግበረኒ።

ሕጊ እግዚኣብሄር እሙን እዩ

ዋው

41ኦ ጐይታ፥ ከምቲ ቓልካ፥

ምሕረትካን ምድሓንካን ይምፅኡኒ።

42ብቓልካ ተኣሚነ እየሞ፥

ነቶም ዝፀርፉኒ ብነገር መልሲ ኽህቦም እየ።

43ብፍርድታትካ ተኣሚነ ኣለኹሞ፥

ቃል ሓቂ ኻብ ኣፈይ ፈፂምካ ኣይተርሕቕ።

44ክሳዕ ዘለኣለመ ኣለም፥

ንሕግኻ ዅልሻዕ ክሕልዎ እየ።

45ንትእዛዛትካውን ደልየ እየሞ፥

ኣስፊሐ ክኸይድ እየ።

46ኣብ ቅድሚ ነገስታት ምስክርነትካ ኽናገር እየ፤

ኣይሓፍርንውን።

47በቶም የመና ዝፈትዎም፥

ትእዛዛትካ ደስ ይብለኒ።

48ናብቶም ዝፈትዎም ትእዛዛትካ ኣእዳወይ ከልዕል እየ፤

ንስርዓታትካውን ከስተንትን እየ።

ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር ምእማን

ዛይ

49ነቲ ንኣይ ንኣገልጋሊኻ ዘተስፈኻዮ ቓል ዘክር፤

ቃልካ ህያው ገይሩኒ እዩ እሞ።

50እዚኣ ብመከራይ ኣሐጐሰትኒ።

51ዕቡያት የመና ዓመፁ፤

ኣነ ግና ኻብ ሕግኻ ኣየግለስኩን።

52ኦ ጐይታ፥ ነቲ ኻብ ጥንቲ ዝነበረ ፍርድታትካ እዝክሮ፤

ብእኡውን እፀናናዕ።

53ካብቶም ሕግኻ ዝሓደጉ ሓጢኣተኛታት ዝተልዓለ፥

ሓዘን ሓዘኒ።

54ተሰዲደ ኣብ ዝኸድኩሉ ዓዲ፥

ስርዓታትካ መዝሙር ኮነኒ።

55ኦ ጐይታ፥ ብለይቲ ስምካ ዘከርኩ፤

ሕግኻውን ሓለኹ።

56ንትእዛዛትካውን ደልየ ኣለኹሞ፤

ንሳውን ኮነትኒ።

ፍቕሪ ሕጊ እግዚኣብሄር

ሔት

57እግዚኣብሄር፥ ግደይ ኢኻ፤

ኣነ ኸዓ ሕግኻ ኽሕሉ እየ በልኩ።

58ብፍፁም ልበይ ናብ ገፅካ ተማህለልኩ፤

ከም ቃልካውን መሓረኒ።

59ብዛዕባ መንገድታተይ ሓሰብኩ፤

ኣእጋረይውን ናብ ምስክርነትካ መለስኩ።

60ትእዛዛትካ ንምሕላው ጨከንኩ እምበር፥

ኣይደንጐኹን።

61ገመድ ሓጥኣን ተጠምጠመኒ፤

ንሕግኻ ግና ኣይረሳዕኹን።

62ስለ እቲ ቅኑዕ ፍርድኻ ኸመስግነካ፥

ፍርቂ ለይቲ እትስእ።

63ኣነ ብፃይ እቶም ኵሎም ዝፈርሑኻን፥

ንትእዛዛትካ ዝሕልዉን እየ።

64ኦ ጐይታ፥ ምሕረትካ ኣብ ኵሉ ምድሪ መሊኣ እያ፤

ስርዓታትካ መሃረኒ።

ሕጊ እግዚኣብሄር ክቡር እዩ

ጤት

65ኦ ጐይታ፥ ከም ቃልካ፥

ነገልጋሊኻ ሰናይ ገበርካሉ።

66ብትእዛዛትካ ተኣሚነ ኣለኹ እሞ፥

ሰናይ ምኽርን ፍልጠትን መሃረኒ።

67ቅድሚ ምጭናቐይ ሰሓትኩ፤

ሕዚ ግና ቓልካ እሕሉ ኣለኹ።

68ንስኻ ሰናይ ኢኻሞ፥ ሰናይ ትገብር ኣለኻ፤

ብሕያዋይነትካውን ስርዓትካ መሃረኒ።

69ዓመፅ ትዕቢተኛታት ኣብ ልዕለይ በዝሐ፤

ኣነ ግና ብምሉእ ልበይ ትእዛዛትካ እደሊ ኣለኹ።

70ልቦም ከም ፀባ ረግአ፤

ኣነ ግና ብሕግኻ እሕጐስ ኣለኹ።

71ስርዓትካ ምእንቲ ኽመሃር፥

እቲ ዘጨነቕካኒ ፅቡቕ ኮነለይ።

72ካብ ኣእላፋት ወርቅን ብሩርን ሕጊ ኣፍካ ይሕሸኒ።

ሕጊ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ

ዮድ

73ኣእዳውካ ሰርሓኒ ኣመዓራረያኒውን፤

ትእዛዛትካ ኽመሃርስ ምስትውዓል ሃበኒ።

74ብቓልካ ተኣሚነ እየሞ፥

እቶም ዝፈርሑኻ ንኣይ ሪኦም ክሕጐሱ እዮም።

75ኦ ጐይታ፥ ፍርድኻ ሓቂ ኸም ዝኾነት፥

በቲ ሓቂኻውን ከም ዘጨነቕካኒ ፈለጥኩ።

76ምሕረትካ ንምፅንናዐይ ትኹን፤

ከምቲ ቓልካውን ንባርያኻ ይኹኖ።

77ሕግኻ ደስታይ እዩ እሞ፥

ብህይወት ምእንቲ ኽነብር፥ ምሕረትካ ይምፅአኒ።

78ዕቡያት ብዓመፅ ጠውዮምኒ እዮም እሞ ይሕፈሩ፤

ኣነ ግና ብትእዛዝካ እፃወት ኣለኹ።

79እቶም ዝፈርሑኻን፥ ምስክርነትካ ዝፈልጡን ናባይ ይመለሱ።

80ኣነ ምእንቲ ኸይሓፍር፥

ልበይ ብስርዓታትካ ቕኑዕ ይኹን።

ምእንቲ ኽትድሕን ዝግበር ፀሎት

ካፍ

81ነፍሰይ ምድሓንካ ናፈቐት፤

ብቓልካውን ተኣመንኩ።

82“መኣዝ ኢኻ እተፀናንዐኒ?” እናበልኩ

ኣዒንተይ ስለ ቓልካ ፈዘዛ፤

83ኣብ ልዕሊ ትኪ ኸም ዝተሰቕለ ለቘታ ኾይነ እየሞ፤

ስርዓታትካ ግና ኣይረሳዕኹን።

84ዘመን ባርያኻ ኽንደይ እየን?

ኣብ ልዕሊ እቶም ዘሳጕጉኒኸ መኣዝ ክትፈርደለይ ኢኻ?

85ሓጢኣተኛታት ፀወታ ነገሩኒ፥

ኦ ጐይታ ኸም ሕግኻ ግና ኣይኮነን።

86ኵሉ ትእዛዛትካ ሓቂ እዩ፤

ብዓመፅ የሳጕጉኒ ኣለዉ እሞ፥ ርድአኒ።

87ካብ ምድሪ ኸጥፍኡኒ ቑሩብ ተሪፍዎም ነይሩ፤

ኣነ ግና ትእዛዛትካ ኣይሓደግኩን።

88ከም ምሕረትካ ህያው ግበረኒ፤

ኣነውን ናይ ኣፍካ ምስክርነት ክሕሉ እየ።

ሕጊ እግዚኣብሄር ምእማን

ላሜድ

89ኦ ጐይታ፥

ቃልካ ኣብ ሰማይ ንዘለኣለም ይነብር።

90ሓቅነትካውን ንውሉድ ወለዶ እዩ፤

ንምድሪ መስረትካያ፤ ንሳውን ትነብር።

91ኵሎም ኣገልገልትኻ እዮምሞ፥

እቲ መዓልቲ ብትእዛዝካ ይነብር።

92ሕግኻ መሐጐስየይ እንተ ዘይኸውን፥

ቀደም ብዕብራነይ ምጠፋእኹ ነይረ።

93ብእኡ ህያው ጌርካኒ ኢኻ እሞ፥

ፍርድታትካ ንዘለኣለም ኣይርስዕን።

94ኣነ ናትካ እየ፤

ፍርድታትካ ደልየ ኣለኹሞ ኣድሕነኒ።

95ሓጢኣተኛታት ከጥፍኡኒ ይፀናተዉኒ ኣለዉ፤

ኣነ ግና ምስክርነትካ መርመርኩ።

96ናይ ኵሉ ስራሕ ፍፃሜ ረአኹ፤

ትእዛዛትካ ግና የመና ሰፊሕ እዩ።

ንሕጊ እግዚኣብሄር ምፍቃር

ሜም

97ኦ ጐይታ፥ ንሕግኻ ኽንደይ ፈተኹዎ!

ምሉእ መዓልቲ እውን አስተንትኖ ኣለኹ።

98ትእዛዛትካ ንዘለኣለም ምሳይ እዩ እሞ፥

ካብ ፀላእተይ ብዝበለፀ ኣለበመኒ።

99ምስክርነትካ ስለ ዘስተንትን፥

ካብ ኵሎም ዝመሃሩኒ ዝበለፀ ኣስተውዓልኩ።

100ትእዛዛትካ ሓልየ እየሞ፥

ካብ እቶም ሽማግለታት ዝበለፀ መስተውዓሊ ኾንኩ።

101ቃልካ ምእንቲ ኽሕሉ፥

ካብ ኵሉ ኽፉእ መንገዲ እግረይ ከልከልኩ።

102ንስኻ ምሂርካኒ ኢኻሞ፥

ካብ ፍርድታትካ ኣይረሓቕኩን።

103ቃልካ ንጐረሮይ ጥዑም እዩ፤

ንኣፈይ ካብ መዓርን ካብ ወለላን ዝበለፀ መቀረኒ።

104ካብ ትእዛዛትካ ዝተልዓለ ኣስተውዓልኩ፤

ስለዙይ ኵሉ መንገዲ ሓሰት ፀላእኹ።

ሕጊ ኣምላኽ ብርሃን እዩ

ኖን

105ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፥

ንመንገደይ ብርሃን እዩ።

106ንፍርድታት ፅድቅኻ ክሕሉ መሓልኩ፤ ኣፅናዕኽዎውን።

107ኦ ጐይታ፥ የመና ተጨኒቐ ኣለኹሞ፥

ከም ቃልካ ህያው ግበረኒ።

108ኦ ጐይታ፥ እቲ ካብ ኣፈይ ዝወፅእ ቃል ባህ የብልካ፤

ፍርድኻውን መሃረኒ።

109ነፍሰይ ኵልሻዕ ኣብ ኢደይ እያ፤

ሕግኻ ግና ኣይርስዕን እየ።

110ሓጢኣተኛታት መፈንጠር ኣፃወዱለይ፤

ኣነ ግና ትእዛዛትካ ኣይጠሓስኩን።

111ናይ ልበይ ሓጐስ እዩ እሞ፥

ምስክርነትካ ንዘለኣለም ወረስኩ።

112ንዘለኣለም ክሳዕ መወዳእታውን፥

ትእዛዛትካ ኽገብር ንልበይ ኣዘንበልኩ።

ሕጊ እግዚኣብሄር ድሕነት ሰብ እዩ

ሳምኬት

113ንዓመፅቲ ፀላእኩ፤ ሕግኻ ግና ፈተኹ።

114ንስኻ ረዳእየይን መፀግዕየይን ኢኻ፤

ብቓልካውን ተኣማመንኩ።

115ትእዛዛት ኣምላኸይ ክደልስ፥

ኣቱም ዓመፀኛታት ካባይ ረሓቑ።

116ብህይወት ክነብርስ፥ ከም ቃልካ ደግፈኒ፤

ብተስፋይ ድማ ኣይተሕፍረኒ።

117ርድአኒ፤ ክድሕን ድማ እየ፤

ንስርዓታትካውን ኵሉ ጊዜ ኽምርምር እየ።

118ድልየቶም ዓመፅ እዩ እሞ፥

ካብ ስርዓታትካ ንዝርሕቑ ዅሎም ኣሕሰርካዮም።

119ንዅሎም ሓጢኣተኛታት ምድሪ፥

ከም ጐሓፍ ትጕሕፎም፤

ስለዙይ ምስክርነትካ ፈተኹ።

120ስጋይ ንኣኻ ኻብ ምፍራሕ ዝተልዓለ ደንገፀ፤

ካብ ፍርድኻ ዝተልዓለ እፈርሕ ኣለኹ።

ንሕጊ እግዚኣብሄር ምእዛዝ

ዔ (ዓይን)

121ፍርድን ፅድቅን እገብር ኣለኹ፤

ንዘጨንቑኒ ኣሕሊፍካ ኣይተሃበኒ።

122ንባርያኻ ብሰናይ ሓልዎ፤

ዕቡያት ኣይዳፍኡኒ።

123ኣዒንተይ ንምድሓንካን ንሓቀኛ ቓልካን ብምፅባይ ፈዘዛ።

124ንኣይ ንባርያኻ ኸም ምሕረትካ ግበረለይ፤

ስርዓታትካ ኸዓ መሃረኒ።

125ኣነ ባርያኻ እየ፤

ምስክርነትካ ምእንቲ ኽፈልጥስ፥

ከስተውዕል ግበረኒ።

126ንእግዚኣብሄር ጊዜ ስራሕ እዩ፤

ንሕግኻውን ሰዓርዎ።

127ስለዙይ ንትእዛዛትካ ኻብ ወርቂ፥

ካብ ፅሩይ ዕንቊ ኣብሊፀ ፈተኹ።

128ስለዙይ ናብ ኵሉ ትእዛዝካ ኣምራሕኹ፤

ንዅሉ መንገዲ ዓመፅውን ፀላእኹ።

ንሕጊ እግዚኣብሄር ክትእዘዝ ምድላይ

129ምስክራትካ ዘደንቑ እዮም፤

ስለዙይ ነፍሰይ ትደልዮም።

130ምግላፅ ቃልካ ብርሃን ይህብ፤

ንህፃናት ድማ መስተውዓልቲ ይገብሮም።

131ንትእዛዝካ ናፊቐ ኣለኹሞ፥

ኣፈይ ከፈትኩ፤ ሃረርውን በልኩ።

132ከምቲ ነቶም ስምካ ዝፈትዉ እትገብሮ ፍርዲ፥

ናባይ ተመልከት፤ መሓረኒውን።

133ኣካይዳይ ከምቲ ቓልካ ኣቕንዕ፤

ኵሉ ሓጢኣትውን ኣይግዝአኒ።

134ትእዛዛትካ ምእንቲ ኽሕሉ፥

ካብ ዝገፍዑኒ ሰባት ኣድሕነኒ።

135ኣብ ልዕሊ ባርያኻ ገፅካ ኣብርህ፤

ስርዓታትካ ኸዓ መሃረኒ።

136ሕግኻ ኣይሓለኹንሞ፥

ንብዓተይ ከም ወሓዚ ማይ ይፈስስ ኣሎ።

ሕጊ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ

ፃዴ

137ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ፃድቕ ኢኻ፤

ፍርድኻውን ቅኑዕ እዩ።

138ምስክርነትካ ብፅድቂ ኣዘዝካ፤

የመናውን ቅኑዕ እዩ።

139ፀላእተይ ትእዛዝካ ስለ ዝረስዑ፥

ቅንኣት ቤትካ በልዐኒ።

140ቃልካ የመና ፅሩይ እዩ፤

ባርያኻውን ይፈትዎ።

141ኣነ ንኡስን ንዑቕን እየ፤

ትእዛዛትካ ግና ኣይረሳዕኹን።

142ፅድቅኻ ናይ ዘለኣለም ፅድቂ እዩ፤

ቃልካውን ሓቂ እዩ።

143መከራን ሽግርን ረኸቡኒ፤

ትእዛዛትካ ግና ሓጐሰይ እዮም።

144ምስክርነትካ ንዘለኣለም ፅድቂ እዩ፤

ከስተውዕል ግበረኒ፤ ብህይወትውን ኣንብረኒ።

ካብ ፀላኢ ምእንቲ ኽትድሕን ዝግበር ፀሎት

ቆፍ

145ኦ ጐይታ፥ ብምሉእ ልበይ እምህለል ኣለኹሞ ስምዐኒ፤

ስርዓታትካውን ክሕሉ እየ።

146ናባኻ ኣእዌኹ፤ ኣድሕነኒ፤

ምስክርነትካውን ክሕሉ እየ።

147ኣንጊሐ ኣእዌኹ፤

ንቓልካውን ተስፋ ገይረ ኣለኹ።

148ቃልካ ምእንቲ ኸስተንትን፥

ኣዒንተይ ንምግስጋስ ቐደማ።

149ኦ ጐይታ፥ ከም ምሕረትካ ቓለይ ስማዕ፤

ከም ፍርድኻውን ህያው ግበረኒ።

150እቶም ብዓመፅ ዘሳጕጉኒ ቐረቡ፤

ካብ ሕግኻ ኸዓ ረሓቑ።

151ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ቐረባ ኢኻ፤

ኵሎም መንገድታትካውን ቅኑዓት እዮም።

152ካብ ዘለኣለም ከም ዝመስረትካዮ፥

ካብ ጥንቲ ጀሚረ ኻብ ምስክርነትካ ዝተልዓለ ፈለጥኩ።

ምህለላ

ሬስ

153ሕግኻ ኣይረሳዕኹን እሞ፥

መከራይ ርኢኻ ኣናግፈኒ።

154ፍርደይ ፍረድሞ ኣናግፈኒ፤

ስለ ቓልካውን ህያው ግበረኒ።

155ስርዓትካ ኣይደለዩን ኢዮምሞ፥

ድሕነት ካብ ሓጥኣን ርሑቕ እዩ።

156ኦ ጐይታ፥ ርህራሄኻ የመና ብዙሕ እዩ እሞ፥

ከም ፍርድኻ ህያው ግበረኒ።

157ዘሳጕጉንን ዘጨነቑንን ብዙሓት እዮም፤

ግና ኻብ ምስክርነትካ ድሕር ኣይበልኩን።

158ቃልካ ኣይሕልዉን እዮም እሞ፥

ንሰነፋት ሪአ ሓዘንኩ።

159ኦ ጐይታ፥ ንትእዛዛትካ ኸም ዝፈትዎ ረአ፤

ኦ ጐይታ፥ ብምሕረትካ ህያው ግበረኒ።

160ናይ ቓልካ መጀመርታ ሓቂ እዩ፤

ኵሉ ፍርዲ ፅድቅኻውን ንዘለኣለም እዩ።

ብምሉእ ልብኻ ሕጊ እግዚኣብሄር ምፍፃም

ሳን

161ገዛእቲ ብኸንቱ ኣሳጐጕኒ፤

ካብ ቓልካ ዝተልዓለ ግና ልበይ ደንገፀኒ።

162ብዙሕ ምርኮ ኸም ዝረኸበ፥

ብቓልካ እሕጐስ ኣለኹ።

163ንዓመፃ ፀላእኹ፤ ተፀየፍኩውን፤

ንሕግኻ ግና ኣፍቅሮ ኣለኹ።

164ስለ እቲ ፍርዲ ፅድቅኻ፥

ኣብ መዓልቲ ሸውዓተ ሻዕ አመስግነካ ኣለኹ።

165እቶም ንሕግኻ ዘፍቅሩ ብዙሕ ሰላም ኣለዎም፤

ዘዕንቅፎምውን የለን።

166ኦ ጐይታ፥ ምድሓንካ ተስፋ ገበርኩ፤

ንትእዛዛትካ ድማ ሓለኹ።

167ነፍሰይ ንምስክርነትካ ትሕሉ ኣላ፤

የመናውን ትፈትዎ ኣላ።

168ኵሉ መንገደይ ኣብ ቅድሜኻ እዩ እሞ፥

ትእዛዛትካን ምስክርነትካን እሕሉ ኣለኹ።

ረድኤት እግዚኣብሄር ምድላይ

ታው

169ኦ ጐይታ፥ ፀሎተይ ናብ ቅድሜኻ ትብፃሕ፤

ከም ቃልካውን ምስትውዓል ሃበኒ።

170ምህለላይ ኣብ ቅድሜኻ ትብፃሕ፤

ከም ቃልካውን ኣናግፈኒ።

171ስርዓታትካ ምሂርካኒ ኢኻ እሞ፥

ከናፍረይ ምስጋና የውፅኣ።

172ኵሉ ትእዛዛትካ ፅድቂ እዩ እሞ፥

ኣንደበተይ ቃልካ ተናገረ።

173ንትእዛዛትካ መሪፀ ኣለኹሞ፥

ኢድካ ዘድሕነኒ ይኹን።

174ኦ ጐይታ፥ ምድሓንካ እናፍቕ ኣለኹ፤

ሕግኻውን ሓጐሰይ እዩ።

175ነፍሰይ ትንበረለይ፤ ክተመስግነካውን እያ፤

ፍርድታትካ ድማ ይርድአኒ።

176ከም ዘጠፍአ በጊዕ ኰለል እብል ኣለኹ፤

ትእዛዛትካ ኣይረሳዕኹንሞ፥ ንባርያኻ ድለዮ።

ዳዊት 119 | ትመ15 Bible | YouVersion (2024)
Top Articles
Latest Posts
Article information

Author: Maia Crooks Jr

Last Updated:

Views: 5561

Rating: 4.2 / 5 (63 voted)

Reviews: 86% of readers found this page helpful

Author information

Name: Maia Crooks Jr

Birthday: 1997-09-21

Address: 93119 Joseph Street, Peggyfurt, NC 11582

Phone: +2983088926881

Job: Principal Design Liaison

Hobby: Web surfing, Skiing, role-playing games, Sketching, Polo, Sewing, Genealogy

Introduction: My name is Maia Crooks Jr, I am a homely, joyous, shiny, successful, hilarious, thoughtful, joyous person who loves writing and wants to share my knowledge and understanding with you.